ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ነኝ

ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ነኝ
ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ነኝ

Friday, June 3, 2016

=>+*"+<+>††† ሎሚ 26 ግንቦት እዩ †††<+>+"*+

በሰምኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።
††† ሎሚ 26 ግንቦት እዩ †††
††† #ዓመታዊ_በዓለ_ዕረፍት_ሓ ዋርያ_ቅዱስ #ቶማስ †††
ቶማስ ማለት ጸሓይ ማለት እዩ።ቀዳማይ ስሙ ደዲሞስ እዩ
(ማቴ 10፡30፣ ዮሓ 20፡24 ፣ግብ ሓዋ 1፡13)። ጎይታ ክብ
ምውታት ተፈሊዩ ምስ ተንሰአ ኣብ መበል ሻሙናይ መዓልቱ
ሰንበት መዓልቲ ጎድኒ ጎይታ ዳህሲሱ መለኮት ምስ ኣቃጸሎ
"ጎይታይን ኣምላኸይን "ኢሉ ትንሳኤኡ ኣመነ። ዕርገት ናይ
ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ዝርኣየ ድማ ሓዋሪያ ቶማስ
እዩ።ሃገረ ስብከቱ ሕንድኬ (ህንዲ) እዩ። ንሱ ብ 30 ቅርሺ
ተሸይጡ ምስ ናይቲ ሃገር ሃብታም ክልኩዮስ የገልግል ነበረ።
እቲ ሃብታም ካኣ "እንታይ ክትሰርሕ ትክእል ፧"ኢሊ ሓተቶ።
ሓዋሪያ ቶማስ ድማ "ህንጻ ምስራሕ ሓወልቲ ምቅራጽ
ይክእል"በሎ። በዚ ተሰማሚዖም ብዙሕ ገንዘብን ወርቕን
ሃቦ።ኣህዛብ ምኩሓት ስለ ዝኾኑ ካኣ "ጥበብ ዘለዎ ሰብ ረኺበ
"ክብል ናብ ንጉስ ከደ። ቶማስ ድማ ነቲ ገንዘብ ወርቅን
ንድካታትን ነደያትን ሂቡ፣ምሂሩ ኣእመኖም ፣ሰበይቲ ልኩዮስ
፣ምስ ደቃን ኣገልገልታን ኣሚና ተጠምቀት።ልኩዮስ ካብ
መገሽኡ ምስ ተመልሰ "ዝሃነጽካዮ ህንጻ፣ዝቀረጽካዮ ሓወልቲ
ዳኣ ኣበይ ኣሎ፧ ኢሉ ሓተቶ። ሓዋርያ ቶማስ ድማ
"ብገንዘብካን ወርቅካን ዘስራሕካዮም ህንጻታት እዚኦም
እዮም " ኢሉ ነቶም ዝኣመኑ ህዝቢ ኣርኣዮ።ልኪዮስ ድማ
"ተጻዊትለይ "ብምባል ኢዱን እግሩን ኣሲሩ ቆርቦቱ ተቀሊጡ
ክሳዕ ዝግፈፍ ገረፎ።ሑጻ ኣሰኪሙ ውን ካብ ቦታ ናብ ቦታ ኮለል
ከም ዝብል ገበሮ። ሰበይቱ ኣርሰንዋ ነዚ ርእያ ሰንቢዳ ወደቀት
ብኡ ብኡ ድማ ሞተት ። ልክዮስ ካኣ "ሰበይተት ዝሞተት
ብሰንክኽኻ እዩ፣ ስለዚ እንተድኣ ኣሕዊኻያ ኣነ ውን ብኣምላኽካ
ክኣምን እየ በሎ።ጎይታ ንቑስሊ ሓዋርያ ቶማስ ከም ማይ
ኣዝሓሎ። ቅዱስ ቶማስ ካኣ በቲ ዝተገፈ ቆርበቱ ነታ ዝሞተት
ሰበይቲ ተንከያ እሞ ንሳ ካኣ ተንሰአት። ሽዑ ልኪዮስ ብጎይታ
ኣሚኑ ተጠመቐ። ብድሕርዚ ንቆርበቱ ተሰኪሙ ካብ ቦታ ናብ
ቦታ እንዳ ተዘዋውወረ ሕሙማት ፈወሰ፣ሙዉታት
ኣተንስአ፣ንኣህዛብ ኣእሚኑ ከም ዝጥመቑ ገበረ።ሓደ ግዜ
ቀንጣፍያ ትብሃል ዓዲ ምስ በጽሐ ሓደ ሰብኣይ ሸውዓተ ደቁ
ተቀቲሎም ሓዚኑ ረኾቦ እሞ ብቆርበቱ ነቶም ደቂ እቲ ሰብኣይ
ተንኪፉ ኣተስኦም። ኣብ ኢናስም ዝተባህለ ዓዲ ውን ትምህርቱ
ሰሚዖም ተኣምሩ ርእዮም ካብ ንጉስ ክሳብ ገባር ኣሚኖም
ተጠመቁ።ዘራጊ ከሎ ጽሩይ ማይ ዘይስተ ግን ካህናተ ጥዖት
ህዝቢ ብጎይታ እናኣመነ ኽገድፎም ስለ ዝጀመረ ጥቅሞም ስለ
ዝጎደሎም ምስ ንጉስን መኻንንትን ኣባኣስዎ እሞ በዚ ዕለት
ብሰይፈ ሰማዕትነት ተቀበለ ግዚኡ ብ 72 ዓ/ም እዩ።
በረከቱ ጸሎቱ ናይ ሓዋርያ ቅዱስ ቶማስ ምስ ኩሉና ህዝበ
ክርስቲያን ይኩን ።
ኣሜን ኣሜን ኣሜን
ስብሓት ለእግዝኣብሄር
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር ይኩን!!!
ኣማኑኤል-ኣርኣያ
ምንጪ ምጽሓፍ መዝገበ ታሪኽ

No comments:

Post a Comment